ኣሳእለይ

ቁሩብ ንድሕሪት ቁልሕ ምባል ይድለ ይኸውን!
- ካብ ቁልዕነተይ ምስ ነቑጣታትን ሕብርታትን እንዳተዛተኹ ናይ ሃደምቲ ስምዒታትን ሓሳባትን ቅርጽታት ንምምራኽ ብትስፉው ግርህና ገና ጽባቐ ኣብ ምንዳይ ኣለኹ፣ እዚ ተግባር’ዚ ሓይሊ መንኮራኹር ናብራይ ኮይኑ ይቕጽል ስለዘሎ ዘይምነው ሂወት ይህበኒ፣
- ክሳብ ሕጂ’ውን ቅርጺ ሓሳባተይን ስምዒተይን ንኽርእይ ዘይክዕዎ ሕብሪ ወይ ዘየጻውቶ ነቑጣታት የለን፣ ገና ቅርጹ ዘየለለኹዎ ሓቅታት ከቢቡኒ ከምዘሎ ኩሉ ግዜ ይስምዓኒ፣ ሓቅታት ንኽጭብጥ ክብል ዝሽትቶ ምዓዛ ተስፋ ድማ ቀለብ ጽሙው ጉዕዞ ምዃነይ ኢዩ፣ ካብ ጭብጢ ስእሊ ዝነፈጹ ጽባቐታት ብፈጠራዊ ስነጽሑፍ ንክኸትሮም ቡዙሕ ይምህዝ፣ እንተዝኽእልስ ብሙዚቃ’ውን መኳለምኩዎም፣ ብወግዒ ንከርክቦም ድማ ደረታት ዕድመን ፍልስፍናን ይጥሕስ፣ እቲ መወዳእታ ዘይብሉ ጉዕዞ ሓቅን ጽባቐን ግን ዘየቋርጽ መገሻ ፍቕሪ እዩ ቀለቡ፣ ዘይውዳእን ዘይሃልቕን ሃብቲ ምዃኑ ዘይፈልጡ ብቅጽበታዊ በለጽ ተሓንኲኹ ዝወዳእ ዝመስሎም ዓያሹ ኣይስኣኑን፣ ከም’ዞም ነቲ ዘቕረቡዎ ሰብ ዘለዎ ጥቕሚ ተበሊጾም ዝወድኡ ዝመስሎም ድኹማት እዮም፣ ንሰብ ዘየፍቅር ንስነጥበብ የፍቅርዶ ዝብል ሕቶ ግን መወዳእታ የብሉን፣
- ብሓደ ወገን ኣሳእለይ መመዝገብ ዕለታዊ ሂወተይን መዐቀብ ትምኒታተይን እዮም፣ መንበር ዝኽርታተይ ዝኾኑሉ እዋን’ውን ኣሎ፣ ብርግጽ መዋግዕተይን መላዝብተይን እዮም፣ ምስጢር ስዉር ድኽመተይ ተቐቢሎም ንዕብየት ክእለተይ ብዓቕሊ ተጸቢዮም፣ መሰነይታ ናብራይ ምዃኖም ግን ኣይረሳዕኩን፣
- እዚ ትርእይዎ ጸቢብ ግፍታን መዛግብ ገለ ኣሳእል ክቐልዕ ድኣ’ምበር ጋህ ኢሉ ንኹሉ ዝተገበረ ዝምስክር ኣይኮነን፣ ብዙሓት ብጽሕጋጋት ስምዒትን ብቕድሖ ቀላይ ሕቡእ ውነን ህልውንኦም ዘመስከሩ ቅርጽታት ሂወት ኣብ ብዓትታት ማህደራት ዓለም ኣስኪኦም ይኾኑ’ሞ እቶም ዘለዉ ምዓልቶም ይጸበዩ፣ ኣብ ዝደለይዎ እዋን ድማ ይከሰቱ፣ እቲ ዝሓፈስኩዎ ሓጎስስ ንኽፈጥሮም ክቃለስ እንከለኹ ዘጥረኹዎ ፍቕሪ ጥራሕ እዩ ነይሩ፣
- ካብ’ዞም ንምርኢት ቀሪቦም ዘለዉ ኣሳእል፤ ንገሊኦም ‘ሽምኩም ይረኸብ’ እንዳበልኩ ካብ ሕቑፉኦም መለለይ ባህጎም ባዕሎም ንኽገልጹ ለምኖም ይመጻኒ፣ ክምሃዙ እንከለዉ ዝዓቀብዎ ምስጢር ክስተቶም ብጸቕጢ ግዜ ይዝንግዕዎዶኾን እንዳበልኩ ንውሽጠይ ይሓትት፣ እቶም ዝተራኣዩኒ ፍጹም ባህግታት ብሰብኣዊ ውሱንነተይ ሰንኪሎም ስለዝውለዱ ነዚ ዝንጸባረቕ ግድፈት ኣለልዮም ቅኑዕ ስም ክህብዎም ዝኽእሉ መንእሰያት ክህልዉ ይምነ፣ ንገሊኦም ኣሳእለይ ግን ነቲ ኣብ ህልውንኦም ዘሎ ጻዕሪ ጽባቐን ሓቅን’ኳ እንተዘይገለጸ ኣቤት የብል ይኸውን እንዳበልኩ መጸውዒ ዝኾነ ስም ሂበዮም ኣለኹ፣ እውነታዊ ስሞም ግን ኣይመስለንን፣ እቲ ሓቂ ንስነቶምን ስምሞንስ እቲ ስኣን ሙሉእ መንነተይ ምርካበይ ካባይ ከይወጽኡ ኣብ ዝተረፉ እዩ እንተተረኽበ፣ ኢዶም ናብኡ ገጾም ዘመልክቱ ሰባት ክጎንፉኒ ድማ ብተስፋ ይጽበ፣
በየነ ሃይለ
ጥሪ 2008
ኣስመራ