ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ዕዱማትን ስድራ-ቤት በየነ ሃይለን፣ ዕድሜና ኣኽቢርኩም ኣብ’ዚ ብምርካብኩም እናኣመስገና፣ እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም ንብል።
እዚ “ቅብኣታተይ መዘክርይ” ብዝብል ኣርእስቲ፣ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ ቀዳማይ ዓመት ስነ -ጥበበኛ በየነ ሃይለ ካብ 25 – 29 ሰነ 2013 ዝካየድ ዘሎ ኤግዚብሺን፣ ብስድራቤት በየነ ሃይለ፣ ብፍላይ ድማ ብበዓልቲ ቤቱ ወ/ሮ ፍረወይኒ ሃይለማርያም ዝተበገሰ ሓሳብ እዩ። ማእከል ትካላዊ ብቕዓት ኤርትራ (ማ.ት.ብ.ኤ) ድማ ተግባራዊ ንምግባሩ ምሉእ ሓላፍነት ብምውሳድ የካይዶ ኣሎ። ማ.ት.ብ.ኤ፣ ብበየነ ተሓሲቡ፣ ብበየነ ተመስሪቱ፣ ብበየነን ብዝሓደጎ ኣገባባትን እናተመርሐ፣ ኣብ ኤርትራ ንዝርከባ ትካላት ናብ ብቕዓት ንኽምርሻ፣ ኣብ ምሕደራ ዘተኮረ ስልጠና፣ ምኽርን መጽናዕትን ዘካይድ፣ ኣብ እምባትካላ ዝርከብ ማእከል እዩ።
በየነ ሃይለ ዝይዳ ዝፍለጠሉ ብምድራስ ዓቢዱ’ዶ ትብልዎ፣ ድኳን ትበርህን ትጽቢት ባህጉን ዝብላ መጻሕፍቲ’ኳ እንተኾነ፣ ካብኡ ብዘይሰንፍ ግን ካብ ቊልዕነቱ ኣትሒዙ ክሳብ ዕለተ-ዕረፍቱ ቀባኣይ’ዩ ነይሩ። እዞም ንምርኢት ኣብዚ ጋለሪ ቀሪቦም ዘለዉ ካብ 1950ታት ክሳብ 2010 ዝቐብኦም ቅብኣታት ድማ መርኣያ ናይዚ እዮም። ብዘይካ’ዚ፣ በየነ ኣብ 1973፣ ማለት ቅድሚ 40 ዓመት፣ ኣብ ኣስመራ ኣብዚ ሕጂ ብTesting Center ዝፍለጥ ዘሎ ህንጻ፣ ኤግዚቪሽን ኣካይዱ ነይሩ። ብተወሳኺ ድማ ኣብ ዓዲ ጥልያን ኣብ 80ታት ኤግዚብሽን ከካይድ በቒዑ። ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝነብረሉ ዝነበረ እዋን ድማ ከም ቀብኣይ ይፍለጥ ነይሩ።
እዞም ንኤግዚቪሽን ቀሪቦም ዘለዉ፣ ዝበዝሑ ካብ 1970ታት ክሳብ 2003 ኣብ ዘሎ ግዜ ዝተቐብኡ ቅብኣታት እዮም። ምናልባት ኣብ መንጎ ዓቢዱ’ዶ ትብልዎን ድኳን ትበርህን ኣብ ዘሎ ግዜ ‘ኣበይ ነይሩ እዚ ኹሉ ዓመታት ከይጸሓፈ?’ እንብል ገለ መልሲ ዝህቡና ይመስሉ። ብተወሳኺ በየነ ንፈተውቱ ህያብ ምሃብ እንተ ዘይኮይኑ ቅብኣታቱ ዘይሸይጥ ስለ ዝነበረ ከኣ ገለ ካብቶም ቅድሚ 40 ዓመታት ንምርኢት ዘቕረቦም ቅብኣታት ኣብዚ ኣደራሽ ኣለው።
“ቅብኣታተይ መዘክረይ” ዝብል ኣርእስቲ፣ ኣብ 2008 ድራማ ወግዒ ልቢ ኣብ ሲነማ ኣስመራ ንመድረኽ ክትቀርብ እንከላ፣ ቅብኣታት በየነ ኣብ ተመሳሳሊ ቦታ ንምርኢት ቀሪቦምሉ ኣብ ዝነበሩ ኣጋጣሚ፣ ንቕብኣታቱ ኣመልኪቱ ካብ ዝጸሓፋ ‘ኣሳእለይ!’ ዘርእስታ ዓንቀጽን፣ ብዛዕባ ቅብኣታቱ ተሓቲቱ ካብ ዝሃቦ መልስን ዝተወሰድ እዩ። ገለ ካብኡ ንምጥቃስ፣
“ኣብ ኣስመራ እንተድኣ ሃሊኻ ኣብ መንጎ ዝሳኣልካዮ ስእልታት ኢኻ ትውዕል። ነዚ ስእልታት ክትሪኦ ከለኻ እንታይ ትዝክር ወይ ይስማዓካ?” ንዝብል ሕቶ
እዚኣ ከባድ ሕቶ እያ። ሓንቲ ስእሊ ርእይ ከብል ከለኹ፣ መጀመርያ ብግዜ ኣብታ ዝተሳእለትላ ትወስደኒ። ንኣብነት እዚኣ፣ እቲ ሓሚመ መጥባሕቲ ምስ ኣካየድኩ ዝነበረ ኩነታት ተዘክረኒ፣ ኣቲኣ ኣብ ሃረር ከይደ ከለኹ የረድኣኒ። ዳርጋ የዋጋዓኒ። ‘እዚ’ኸ ኣይዝከረካን ከምዚ ክኸውን ከሎ? ከምዚ’ኮ እዩ ነይሩ’። እዚ ሓደ ቀጻላ ናይ’ቲ ግዜ ምንጋር እዩ። ገሊኡ ድማ ብዙሕ ኣብ ውሽጡ ይኣቱ። ንኣብነት ‘እዚ ጸናጽል ከምዚ ከመይ ኣቢሉ ካባይ ወጺኡ? ኣነ ድየ ገይረዮ? እቲ ሕብርታት ከመይ ኣቢሉ ከምዚ ኮይኑ?’ እናበልኩ ይግረም። ከምዚ ምስ ሰብ ዘለኹ መሲሉ ይስማዓኒ።
እዚ ስእልታትካ ምስ ሓደ ዓሌት ወይ ካታጎሪ ክንምድቦ ንኽእል’ዶ? ከም ስኣላይ ኣበይ ኢኻ ትምደብ? ምስተባህለ ድማ
ኣነ ሓቂ ዘረባ ብዝኾነ መገዲ ዝምደብ ሰብ ዓይነት ኣይኮንኩን። ከም’ቲ ዝበልኩኻ፣ ቅብኣ ተማሂረ’የ፣ ብዙሕ ኣንቢበ’የ፣ ብዙሕ ስእልታት ህልው ዝኾነ ርእየ፣ ናይ ዓዲ ፈረንሳይ፣ ዓዲ ጥልያን ብዙሕ ኣሳእል ርእየ’የ። ካብኡ ኣብቲ ሕብሪ ገለ ረኺበ ይኸውን፣ እቲ ሕብሪ፣ ናጽነት ናይ ሕብሪ፣ ምግላጽ፣ ሳብጀክት ማተር፣ ኣገባብራይ፣ ኣተሓሳስባይ ግን ኣይተጸለኹን እየ ዝብል። ዋላ ኣብ መጻሕፍተይ ኣይተጸለኹን እየ ዝብል። እዚ ኣሳእል ናይ ገዛእ ርእሰይ መዘክር(ዲያሪ) እዩ። ናተይ ዲያሪ እዩ። ኣቐዲመ ስከች ዝገብሮ የብለይን፣ ዝሓስበሉ ኣይኮነን፣ ብራሽ ኣምጺአ ብሕብሪ ገይረ ስምዒተይ እየ ዘውጽእ፣ ሓሳባተይ እየ ዝገልጽ። እቲ ክገልጽ ከለኹ ድማ በቲ ዝመሰለኒ’የ ዝገልጽ። ልክዕ’ዶ መጺኡ? ፐርስፐክቲቭ’ዶ ሓልዩ? ቀሪቡ’ዶ ርሒቑ’ዶ ኣይብልን እየ። እዚ ሕግታት ዝባሃል ከይተፈለጠኒ ይጥሕሶ እየ። ዋላ እዚ ሕግታት ዝባሃል እንተዝጠፍእ ምበልኩ። ስለዚ እከለ ጸሊኒ ዝብሎ የብለይን።
በየነ ብዙሕ ዓውድታት ፍልጠት ማለት ፍልስፍና፣ ስነ-ኣእምሮ፣ ሃይማኖት፣ ፖለቲካ፣ ታሪኽ፣ ምሕደራ ኩሉ ዓይነት ስነ-ጥበብ (ስነ-ጽሑፍ፣ ግጥሚ፣ ሙዚቃ፣ ቅብኣ፣ ፊልም) ወዘተ ዝተማህረን ዘንበበን ዝሰምዐን ዘስተማቐረን ዝረኣየን እዩ። ነናብብኡ ኣመልኪቱ ካብ ዝበሎ፣
ዳርጋ ዘየንበብክዎ’ኳ የለን። ንሓንሳብ ዋላ ዘርስሓኒ’የ ዘንብብ ነይረ። ዋላ ‘ጓሓፍ’ እንተኾነ’ውን ኣይገድፎን እየ። ግን ከም ዝረሳሕኩ ምስ ፈለጥኩ ቀልጢፈ ሓንቲ ክላሲክ ዝኾነት መጽሓፍ ናይ ዶስቶቭስኪ ወይ ትርጁኔቭ ወይ ናይ ካልእ ጸሓፊ ኣንቢበ ይነጽህ! ይሕጸብ! ንምንታይ’የ ክንድኡ ዘንብብ፣ ልክዕ ከምዚ መገሻ ዘለዎ ሰብ፣ ግን ብዛዕባ መገሽኡ ብዙሕ ኣፍልጦ ዘይብሉ፣ እንታይ ስንቂ ከም ዝቛጽር ዘይፈልጥ፣ ከምኡ ገይርካ ክትወስደኒ ትኽእል ኢኻ። ብተወሳኺ፣ ከንብብ ከለኹ፣ ልክዕ ከምዚ ጽባሕ ፈተና ኣለካ ዝተባሃልኩ ኮይነ’የ ዘንብብ።
ብኸምዚ ዓይነት ሸውሃት ዘንበበ ሰብ እተጻሕፈ ጽሑፍን እተቐብአ ቅብኣን ንኽንርዳእ፣ ንስነት ትርጉሞም ዘመልክቱልና ወሓለታትን ክኢላታትን ፈላጣትን ከየድለዩ ኣይተርፉን እዮም። ብኽኢላታትን ፈላጣትን እተጸንዐ ወረቓቕቲ ካብ’ቲ ምስ ጽሑፋትን ቅብኣታትን በየነ ከቀራርበና ዝኽእል ሓደ መገዲ እዩ።
በየነ ኣብ ርእሲ’ቲ ንሕትመት በቒዑ ዘሎ ስርሓቱ፣ ብዙሕ ዝተዛዘመን ዘይተዛዘመን ስርሓት ገዲፉ’ዩ ሓሊፉ። ገለ ካብኡ ንምጥቃስ፣ ኣብ 2005 ዝደረሳ ኣብ 2008 ድማ ኣብ መድረኽ ዝቐረበትን ንማሕተም ድልውቲ ዝኾነትን ወግዒ ልቢ እትብል ድራማ (ብትግርኛን ኢንግሊዝኛን)፣ ኣብ 1973-74 ዝደረሳ ኣብ 2010 ድማ ከም እንደገና ዘመሓየሻ ወይ ብቋንቋ በየነ ዝፈተጋ ናይ ቀደም ሳራ ናይ ሕጂ ድማ ሕርይቲ ዘርእስታ ከባቢ 60 ገጽ እትኸውን ኣብ ትካላት ዘተኮረት ነዋሕ ግጥሚ (ብትግርኛን ኢንግሊዝኛን)። እዚኣ’ውን ንማሕተም ድልውቲ ዝኾነት። ስነ-ጥበብን ህይወትን ዝብል ነዊሕ ዓንቀጽ፣ ልዕሊ ደርዘን ዝኸውን ሓጸርቲ ዛንታታት፣ ኣብ ዝተፈልለየ መጽሔታት ዝጽሕፎም ዝነበረ ዓንቀጻት፣ ኣብ እምባትክላ ኣብ መኽፈትን መዕጸውን ስልጠናታት ዘቕርቦም ዝነበረ መደረታት፣ ከባቢ 40 ዝኸውን ብኢንግሊዝኛ ዝጸሓፎም ግጥምታትን ወዘተ እዮም።
ኣብ መወዳእታ ነዚ ምርኢት ክዉን ኣብ ምግባር ዝተሳተፉ ስድራ-ቤት በየነ ሃይለ ነመስግን። ፖስተርን ወረቐት ዕድመን ንዘዳለወ ዮናታ ጽገ፣ ካብ ዝጅመር ክሳብ እዛ ሰዓት እዚኣ ኣብ ኩሉ ስርሓት ካብ ጎድንና ዘይተፈልዩ ዓወት ፍሰሃየን ሄኖክ ተስፋብሩኽን፣ ብዓቢኡ ድማ ሓሳብ ኣንቂላ ነዚ ኣጋጣሚ ንኽፍጠር ዝጸዓረት ብዓልቲ ቤት በየነ ሃይለ ወ/ሮ ፍረወይኒ ሃይለማርያም ዕዙዝ ምዝጋና ነቕርብ።
ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማእታት!!!
የቐንየለይ
24 ሰነ 2013
ኣስመራ