በየነ ሃይለ
እምባትካላ, 5/10/2007
ብዛዕባ መጻሕፍተይ ገለ ንኽብል ምስ ተሓተትኩ መከላኸሊ ሕቶታት ዋልታይ ገይረ ኩናት ጥያቐታት እንዳወርወርኩ ንቕልዓት ሓቂ ከደናጒ ዳርጋ ወሲነ ነይረ። ንኣብነት እንታይ ብዛዕባ መጽሓፈይ እዩ ተደልዩ ዘሎ ክብል ምኽኣልኩ። እቶም ዓደምቲ ድማ ምላሽ’ዶ ከይስእኑ! “ማለትና’ሲ ኣሕጽር ኣቢልካ ባዛዕባ መጻሕፍትኻ ተዛረብ ማለትና እዩ። ማለትሲ! ንዓኻዶ ጠፊኡካ! እቶም ናይ መጻኢ ደረስቲ ማለት እቶም መንእእሰያት፣ ባህ ምበሎም ኢልና ኢና። ማለት ናይቶም መንእሰያት ንብሎም ዝነበርና መንእሰያት ብርዖም እንተሓዙ ኢልና ኢና። ማለትሲ ዓበይቲ ደረስቲ ክመጽኡና እዮም እንዳበለ ማዕጾኡ ከፊቱ ዘይውዕልን ዘይሓድርድን ኣሎ ድዩ በዚ ሎሚ! ባህጊ ፈጠራውያን ደረስቲ ከመይ ድዩ ገይሩና ዘሎ? ብንግህኡ ተዓኒዶም ዘለዉ ውሱናት ምርኣይዶ ጽቡቕ እዩ? እዚ ኹሉ ታዕሊም! እዚ ኹሉ ውግእን ሓለዋ ድፋዕን! እዚ ኹሉ ወፍሪ! እዚ ኹሉ ትምህርትን ተሞክሮን ዝወለዶ ስነጥበባዊ ፍረ’ኮ ገና ኣብ ሃዋህው እዩ ዘሎ። ነቲ ኩነታት ዝብልዎ ብስነጽሑፍ ናብ ስነጥበባዊ ክንዲ ለዊጦም ዝቕርቡልና ኩነታት መባልዕትና ኣይኮነን ክብሉ ኣብ ውሽጦም ተሓዚሉ መውረዲ ብምስኣን ተንጠልጢሉ ንዘሎ ሓቂ ከስተባህሉ ኣይክኣሉን። እቲ ኩነታት ገና’ኮ ብሓቅን ብጽባቐን ኣይተጋህደን። መብዛሕትኦም እዞም ንርእዮም ዘሎና ብህድማ ዝተበለለ ሃሳስ ገጽ እዮም ዘርእዩና ዘለዉ። ብበለጽ እዮም ነቲ ሰፈር ፈጠርቲ ክረግጽዎ ዝፍትኑ ዘለዉ። ኣብ ጸልማት ብዓቲ ኮይኖም ምስ ናይ ሓሶት ጽላሎት ዝዋስኡ ዘለዉ እዮም ዝመስሉ። እቶም ብመንፈስ ይኹን ብሰፈር ካብ ሓቂ ተኸዊሎም ዘለዉ’ኮ ንበይኖም እዮም። ንሓዋሩ ሓቅን ጽባቐን ካብቶም ንጽበዮም ናይ ሓቂ መንእሰያት እዩ እንተመጽአ። ምስ’ዞም ተስፋ ስነጽሑፍ ዝጽበዩ ዘለዉ’ዶ ምዝራብ ከይትስእን!” ድሕሪ ኢሎምኒ ኣነኸ እንታይ ክብል? ንሳቶምከ? እንዳበልኩ ድሕሪ ምኹምሳዕ ሱቕ ኢለ ዝመስለኒ ንኽብል ወሲነ።
ኣፈይ ከይከፈትኩ ክኣ ነዚ ዝስዕብ ተዛሪበ። ‘ዘይ ኩሉ ነሕዋት እዩ! ኣብ ቤተሰብ ባህ ዝበለካ እንድዩ ዝዝረብ! እዛ ኤርትራ ትብሃል ዓዲ ዘይ ሓንቲ ዓባይ ቤተሰብ እያ! ብስነጥበብ እውነታዊ ነብሳ ንኽትረክብ ኣብ ምእላሽ እንዳኣላን ዘላ! እቲ ዝበለጸ ክፋል ንስነታ ንኽትጭብጥ ዘተባብዓ እንተረኸበት ኢላ እንዳኣላን ቁልሕ ትብል ዘላ! ኩሉ እንተኾነስ ጽባቐን ሓቅን ንኽረክብ ሃሰውሰው እንዳኣሉን ዝብል ዘሎ። ኩሉ ኣብ ምሕንጣጥን ምጽሓፍን፣ ኩሉ ኣብ ምጭዳርን ምድራፍን፣ ኩሉ ኣብ ምንቕናቕን ምስዕሳዕን፣ ኩሉ ንመድረኽ ወይ ንፊልም ዝኸውን ዛንታን ወግዕን ኣብ ምቕራብ እንዳኣሉን ዘሎ! እቶም ንትስፈዎም እንተኾነስ ውዒሎም ሓዲሮም ምምጽኦምዶ ከይተርፍ? ድቂ ድዩ ጥጅእ ክብሃል እቲ ኣብ ውሽጦም ኮይኑ ንምብጻሕ ደንጉዩ ዘሎ?’ ኢለ እየ ጉልባበይ ቀሊዔ ኣብ ቅድሜኹም ንኽቐርብ ተቢዔ።
ካልኦት ክፋላት ስነጥበብ ኣብ ዘለዉዎ ይሃልዉ ኢልና ኣብ’ዚ ሕጂ ጽሓፋይ ዝብል መጽርሒ ንኹሉ ዓይነት ጽሑፍ ዝገልጽ እዩ ዝመስል ዘሎ። ደራሲ እንተዝብሃልከ ዓይነት ጽሑፍ ብንጹር መመልከተዶ? ብልሓትን ትኹረትን ሞያዶ ፈልዩ ምገለጸ? ፈጠራዊ ስነጽሑፍ ካብ’ቲ ካልእ ጽሑፋት ፍሉይነቱዶ ምመስከረ? እንዳበልኩ ክግምግም ፈቲነ። እንተኾነ ንበይነይ ክምልሾ ስለዘይደለኹ ኣብ መድረኽ ምይይጥ ንኸቕርቦ ብሂገ።
ተዓዊተዶ ኣይተዓወትኩን ዘይኮነስ ካብ ቀደም ክሳብ ሕጂ ጻዕረይን ትምኒተይን ፈጠራዊ ጸሓፋይ ንሙኻን እዩ። ዛንታ መጀመርታ ንቕሓተይን ጉዕዞን ምዕበላን ስነጥበባዊ ጉዕዞይ ነዊሕ እዩ። ነቲ ዝበለጸ ክፋል መንነተይ ከግህድ ዘኽእል ሙሉእ ፍልጠት ዝወነንኩ ኣይመስለንን። ገና ምስ’ቲ እውነታዊ መንነተይ ዓይኒ ንዓይኒ ተጠማሚተ ኣይተሓቛቖፍኩን። ገና ነብሰይ ብሙሉኡ ረኺበዮ ኣይብልን። እቶም ገና ነብሶም ዘይረኸቡ፤ እቶም ተሰዊሩ ንዘሎ እውነታዊ መንነቶም ዘየለለዩ፤ እቶም ዝበለጸ ክፋል መንነት ከም ዘለዎም ገና ዘይጠርጠሩ ጽሩይ ስነጥበባዊ ሓቅን ጽባቐን ክፈጥሩ ዝኽእሉ ኣይመስለንን። ዘይኮንዎ መሲሎም መልክዕ ካልኦት ተጎልቢቦም ክሓልፍዎ ዝኽእሉ ይመስሎም። ምኽንያቱ ፍርሒ እውነታዊ መንነት ልሙድ ቀለቡ ሓሶት ምዃኑ ኣየስተውዓሉን። በተን ሒደት ዝዘመቱወን ቅዲ ጽሑፋትን ዝተለቅሑወን ጥሪት ቦሶሮታትን ብቕዓት ዝወነኑ እዩ ዝምስሎም ዘሎ። ካብ ውሽጢ ዘይመንጨወ ስነጽሑፍ ከንቱነት እዩ። ስነጥበብ ካብ ዕዳጋ ዝተሸመተ ወይ ብልማኖ ወይ ብደፋር ኢድ ዝተመንዝዐ ግዳማዊ ልብሲ ድሕሪ ኮይኑ ኣየዕውትን እዩ። ትርጉም ክተማሓላልፍ ንዘስተባሃሉላ ቃል ወይ ኣምራት ክትገልጽ ንዝተዓዘቡዋ ሓሳብ ብኢደ ውናኖም ዓምጺጾም ከም ናቶም ገይሮም ብምምንጣል ኣብ ዕድመ ዘይብሉ ሓላፊ መአከብ ጽሑፍ ግዜ ክሳብ ዝቐልዖም የብለጭልጩዋ። መብዛሕትኦም ተውህቦ ጣዕሳን ሕፍረትን ዘይትዓደሉ ስለዝኾኑ ምስ ተኸሽሑ ክሓፍሩ ኣይክእሉን።
ጽሒፈየን ዝብለን ማለት (ብመልክዕ ፈጠራዊ ድርሰት- ዓቢዱ’ዶ ትብልዎ? ድኳን ትበርህ፣ ትጽቢት ባህጉን፣ ብመልክዕ ተዋስኦ ድማ ወግዒ ልቢ) ብሓቂ ንስምዒታተይን ሓሳባተይን ትምኒታተይን ሕልምታተይን ብስነጥበባዊ ሓቂ ንምቕላዕ ኢለ ዝፈጠርኩወን ውልዶ ሂወተይ ዝኾና ባህግታተይ እየን። ሕጂ’ውን እንተኾነ ተዓዊተዶ ኣይተዓወትኩን ዝብል ሕቶ መሊሸ ኣይኮንኩን ዝዝትይ ዘለኹ። ኣብ’ዚ ይሃልዉ ኣብ ካልእ ቦታ፣ ኤርትራውያን ይኹኑ ብኻልእ ሽም ፖለቲካዊ ቃጽዖ ዝፍለጡ ሰባት፣ ብሂወት ይሃልዉ ብኻልእ ቅርጺ፣ ምስ’ቶም ፈጠራዊ ጽሑፍ ዝደረሱ እየ ክቀራረብ ዝጽዕር። ነቲ ዝጥቀሙሉ ብልሓት ኣጸሓሕፋ ክቕይር እዩ ባህገይ። ሓዲሽ ኣነጋግራ ዛንታ ንኽምህዝ እዩ ንቕሎይ። ዘይተሰምዐ ንኸስምዕ እዩ ድላየይ። እቲ ዝርኣየኒ ዘሎ ራእይ ከርእይ እዩ ጻዕረይ። ጎቦታት ኤርትራ ምስ ካልኦት ጎቦታት ዓለም ከዋግዑ እንከለዉ እዝነይ ክጸልው እየ ዝቕረብ።
ትውልድን ዓሌትን ጽሑፈይ ዕዙዝ ምህዞ ፍሒሩ ዘውጽኦ መቦቆላውን ፈጠራውን ድርሰት እዩ። ናይ ካልእ ዓይነት ጸሓፋይ ኣይኮንኩን። ካልእ ፍልጠት ክንድትይ ኣየሐብነንን። ኣብ’ዚ ስነጽሑፋዊ ዝኾነ ፍሉይ ዓለም ዓበይቲ ይነብርዎ እዮም፤ ብሓቂ ምሃዝትን ፈጠርትን ኣለዉዎ፤ ሰብ ዝሰርሖ ደረት ጥሒሶም ንዓለም ተስፋ ዝህቡ የዘውትርዎ እዮም፤ ብፍልስፍናን ስነምግባርን ሃገሮም ዝሃንጹ ዝመያየጡሉ ዓለም እዩ፤ መብራህቲ ዓለም ዝውልዑ ዝመላለሱሉ ዓለም እዩ።
ብኣንጻሩ ድማ ኣብ ትሑት ደረጃ ክእለት ስለዝተለውሱ በሪ ዘይተራሕወሎም መሊኦም እዮም። ዛንታታቶም ክንፊ ኣውጺኡ ንወዲሰብ ዘበስር ዘይኮነስ ሱቕ ኢሉ ኣብ ሓመድ እንዳተጎተተ ዝልሎ እዩ። ካብ ውሽጦም ዝምንጭው ዛንታ ስኢኖም ውሳይ ስነጽሑፍ ዝኾኑ ናይ ካልኦት ፈጠራ ንምውናን ዝህቅኑ ቀዳሕቲ ኣይስኣንዎን እዮም ነዚ ዓለም’ዚ። እቶም ተፈተውትን ተናፈቕትን ግን ግዜ ዘይመልኮም ናይ ፈጠራ ባሕሮም ዘይነጽፎምን ብሓቅነቶም ዝፍለጡን እዮም።
ብዛዕባ ናተይ ስነጽሑፍ ንምውጋዕ ቅድሚ ምብጋሰይ ብሓፈሻ ብዛዕባ ፈጠራዊ ስነጽሑፍ ምልዓል ከድልይ እዩ። ቡዙሕ ክብሃል ይኽእል። ብዛዕባ መልክዕ ኣቀራርባ፣ ውሕልነት ኣነዳድቓ ዛንታ፣ ዋሕዚ ጉዕዞ ታሪኽ፣ ዑምቀትን ላዛን ቋንቋ፣ ወዘተ እንዳተባህለ ክንደይ ዝትንተን ኣምራትን ግብርታትን ኣሎ። ኣነ ግን ዓቢይ ግደ ስነጽሑፍ ዛንታ ምንጋር ስለዝኾነ ሎም’ምዓልቲ ብዛዕባ ዛንታ እየ ክገልጽ ቆሪጸ ዘለኹ።ኣብ መንጎ ዛንታን ታሪኽን ጽውጽዋይን ዕላልን ጸወታን ዘሎ ውህደትን ፍልልይን ንዓይ ከም ዝርድኣኒ ትርጉም ክነግረኩም ይምነይ። ነዚ ሕጂ ኣድልዩኒ ዘሎ ኣብነት መብርሂ ወረ ኮነ ተገብረ ሂወት እዩ። ሓደ ሰብ እዚ ተገይሩ እዚ ኮይኑ እዚ ኣስዒቡ እንዳበለ ንሓንቲ ክገልጽ እንከሎ እንታይ ገይሩ ኢና ንብል? ኣዘንትዩ ድዩ ተሪኹ? ወይ ጸውዩ ድዩ ኣዕሊሉ? ወይ ኣጻዊቱ ድዩ ነጊሩ? ኣካፊሉ ድዩ ኣስሚዑ? ኣንዳበልና እንተተኸራኸርና መኽሰብ ኣለዎ ኣይብልን። ነታ ዛንታ ብፊልም ድዩ ብጽሑፍ ከቕርብ ዝበለት ጥንስቲ ቡዙሕ መምዘኒ ይህልው። ቀንዲ ግን እቲ ምንጋር እዩ። እቲ ቅዲ ኣነጋግራ እዩ ዘገድስ። እቲ ሓቂ እዩ ጽባቐ ዝፈጥር። ኣብ ከብዳ ሒዛቶ ዘይምትራፋ እዩ እቲ ተኣምር። ንኻልኦት ከተስምዕ ምድላያን ነቲ ውሉድ ሂወታ ዝኾነ ህልውና ክተካፍል ምውሳናን እዩ እቲ መኸብ ስነጽሑፍ። ልባ ክትከፍት፤ ስምዒታ ክትገልጽ፤ ነቲ ከምብሓድሽ ክትሰርሖ ደልያ ዘላ ዓለም ዳህስስዎ እንዳበለት ብዘይሕፍረት ክትዕድም እንከላ እዩ ተስፋ ስነጥበብ ዝሰርጽ። ኣንባቢ ሓቂ ንስነጥበብ ክተርክብ ኢላ ክትጎዪ እንትተዓዚቡ “እንታይ ኮን ተሰፊራ ትኸውን?” እዩ ዝብል። “ትፈልጦዶ? እቲ ተራግፎ ዘላ እቲ ናይ ውሽጢ ጾር ሂወት ኣይመስልን። ናይ ግዳም ቅብኣት መሸፈን ሕፍረት እዩ ደሚቑ ዝርኣይ ዘሎ። ካብ’ቲ ዘሕለፈቶ መዋእል ዝኸወለቶ ሓቂ ከምዘሎ ዘጠራጥር እዩ። ፈጠርኣ ኣይጎልሐን። ነቲ ሓቂ ከዊላ ቅዳሕ ዛንታ ሒዛ እያ ትጉዓዝ ዘላ።” ይብል።
ሞያ ስነ ጽሑፍ ምዝንታው እዩ። ወዲ ሰብ ነጋር ዛንታ ስለዝኾነ ስምዑኒ ክነግረኩም ብሃላይ እዩ። ዝርኣዮ ከርእይ ዝተሰምዖ ከካፍል ላሕ ይብል። ንስዓታት ተዛሪቡስ በጃኹም ንሒደት ደቓይቕ ብተወሳኺ ስምዑኒ፤ ገና ኣይተጸንቀቐን ዘረባይ እንዳበለ እዩ ንፈተውቱ ዓቕሎም ክሳብ ዝጸቦም ዘጨንቕ። እቶም ዘፍቅሮም ብዛንታታቱ ዘቕቢቦም ዘምልሱ ኣይመስሎን። ፍቕሪ ሂብካ ሰሊዕካ ዝውዳእ ጸጋ ኣይመስሎን እዩ። ዘበርከቶ ፍቕሪ ድማ እቶም ንፉጋት ዝተረድኦም እዩ ዝመስሎ። ብዛዕባ ሕሉፍ ጥራይ ዘይኮነስ ብዛዕባ መጻኢ የዘንትው። ብውሕልነት ነብያት ይትምበ። ንህልው ግዜ ብስልጣኑ ይፈርድ። ብዝኽሪ ለባማት የእምን። እዚ ብዛዕባ ውግእ፣ እዚ ብዛዕባ ፍቕሪ፣ እዚ ብዛዕባ ባህጊ፣ ብዛዕባ ትምኒት፣ ሕልሚ፣ እምነት፣ ፍልስፍና እንዳበለ ክስሕቕ ጸኒሑ የእውይ፤ ጸኒሑ ድማ ሕሹኽ ይብል። ወረ ቡዙሕ እዩ ዝዝርዝር። ርኣይዎ ክጽብቕ፤ ጥዓሙዎ ክምቅር ክብል ጸኒሑ ስምዕዎ ከፍርሕ፤ ተንክፍዎ ክሕርፍፍ ይብል። ክንደይ ኣፎም ይኸፍቱ ሒደት ድማ ብምዓር ወለላ የኾልሱ። እቲ እውነታዊ ናይ ፈጠራ ደራሲ ከይብሉኒ ኣይብልን። እንታይ ኢለ ንበቃቓት ኣፍቀርኩ ኢሉ ድማ ኣይጥዓስን። ስለምንታይ ምስ ዘይርድኦም ተዋሳእኩ ኣይብልን።
እቲ ስነጥበባዊ ነቲ ብድምጺ ጥራሕ ዝገልጾ ዝነበረ ዛንታታት ብጹሑፍ ብምምዝጋብ ንዝነውሐ ግዜ ክዕቅቦ ክኢሉ። ቃላት እዮም መሳርሒ ዘንታታቱ። ይደመጹ ይጻሓፉ ቃላት እዮም ተሰከምቲ ፈጠራዊ ዘንታታቱ። ከልእ ሓዛል ዘንታ ምደለየ፤ ካልእ ተሰካሚ ስምዒታቱ ምተመነየ፤ ልዕሊ ቃላት ግን ኣይረኸበን። ቃላት ጸወርቲ ሕፍረታቱ’ኳ እንተኾኑ ድልዱል ሕቖ ስለዘይብሎም ንኹሉ ዛንታታቱ ዝኣክል ጉልበት ከም ዘይብሎም ካብ ምፍላጥ ዓዲ ኣይውዓለን። እንተኾነ ካብ ጉስነት ቃላት ክፈላለ ኣይክኣለን። እቲ ኣዘንታዊ ብቓላት እዩ ዝነግርን ዘካፍልን። ትምኒቱ ብቓላት ገይሩ እዩ ዝገልጽ። ነቶም ቃላት ብወለላ ምዓር ንሓንሳብ ድማ ብጥሉል ዒረ እንዳለዋወሰ ክንፊ ክሳብ ዝዝርግሑ ይገብሮም። እንዳኣበደ እንዳኣባበደ ዘየሰክሞም ጾር ጽዕነት የለን። እንታይ እዮም’ሞ ዘይስከሙ! ምስጢር ፈጠራዊ ጽሓፋይ ከይኣኽሎም ሕልምታት’ውን ይጥርንፉ እዮም። ሕቑፎኦም እንዳተወሰነ፤ ሕቖኦም እንዳተሰበረ፤ ጉልበቶም እንዳደኸመ፤ ዝተሰከሙዎ ትርጉማት ኣብ ምዓላ ከየውዓሉ ዝተርፉሉ ግዜ ሒደት ኣይኮነን።
ኣብ መጻሕፍተይ ሕልምታተይ ኣለዉ። ባህግታተይ ኣብኡ ሸኸርከር ክብሉ ውዒሎም ይሓድሩ። ኣንበብቲ መጻሕፍተይ ምስ ቡዙሓት ጠባያትን ተዋሳእትን እዮም ዝላለይዩ። መብዛሕትኦም ተዋሳእቲ መጻሕፍተይ ግዙፋት እዮም። ልዕሊ’ዞም ዝገጥሙና ደቂኣዳም እዮም ዝርኣዩ። ትምኒተይ ኣብ መጻሕፍተይ ተዘሪኡ ክበቁል እንከሎ ዝርኣየ ኣንባቢ ትሓፍሶ ይግበርካ እንዳበለ ክምርቐኒ ይልምን። ዕምባባ እምንኻ ይዓምብብ። መሰረት ቁጠባውን ምሕደራውን ናብራኻ ይኹን ዝብለኒ ኣንባቢ ኣይስእንን እየ ይብል። መድረኽ ፍጹም ተኽእሎታት ኣብ መጽሓፍካ ጥራይ ምዕራፍ ተማሲሑ ኣይትረፍ። ኩሉም ደቂ ዓድኻን መዘናታቶምን ሓቢሮም ብሓቂ! ብፈጠራዊ ብልሓት፣ ብርግጽ፣ ይህነጽዎ። ሓደ ኣብ ባሕቲ መስከረም፣ ሓደ ኣብ ሳዋ፣ ሓደ ኣብ ዱር ሰማእታት። ድሓር ግን ኣብ ቡዙሕ ቦታታት ይተሃነጽ።
ምርቓታት ኣንበብቲ ተቐቢለ ኣይምጸገብኩን። “ሃውልቲ መዝገበ ምስ ውልዕቲ ፋኑሱ ኣብ ማእከል ከተማ ይቑም። ብውሕሉላት ደቂ ዓዲ ይሰራሕ። ምልክት እለሻ ሓቅን ጽባቐን ድማ ይኹን።” ክብሃል ጀሚሩ ስለዘሎ ይሕጎስን ተስፋ ይገብርን ኣለኹ።
“እንዳ ዳንድሽን እንዳጽሓፋይን ነይሩ ዝብሃል ህንጻን ሰፈርን ኣብ ከተማ ኣስመራ ተኣልሹ ይረኸብ። ይትሓደስ። ኣብ ጥቕሚ ስነጥበባውያን ድማ ይውዓል።” ዝብል ብይን ክውሃብ ይጽበ። እቲ ጽሓፋይ ብምሒር ዓቕልን ክእለት ዓጊቱዎ ድኣ’ምበር ፍቕርስ ኣይምጸልአን። ናይ ሓቂ ፍቕሪ ረኺቡ ክርእዮ ምደለኹ። ክንደይ እየን’ሞ እተን ዝኣትዋን ዝወጻን። ነቲ ዘይተበረዘ ናይ ጽሓፋይ ፍቕሪ ዝርድኣ ግን ክገጥምኦዶ ይኾና? “ናብ’ቲ ጉድጓድ ብስንው ዓለምኪ ኣብጽሕኒ ግዳ! ነቲ ርስሓት ናብራኺ፣ ነቲ መሕብእ ትሑት ሕስረትኪ፣ ነቶም መባኹርቲ ቅብጸትኪ፣ ነቲ ዓዘቕቲ ውድቀትኪ ርእየ ክወጽእ’ሞ ንባህጉ መጽሓፈይ ሓቂ ነጊረ ክእብድ!” ክብለን እንከሎ ይኣምንኦዶ?
“ንተብርህ፣ ንወዲ ጸጸር፣ ንዓብዱ፣ ንዶክተር ጃብር፣ ንወዲ ደንጎላ፣ ንሃብተ፣ ንጉዕላይ፣ ንምሓመድ እድሪስ፣ ንቪድዮ፣ ንወዲ እምኒ፣ ንዶክቶር ኣሚና፣ ንኣዛሚት፣ ንትርሓስ፣ ንጸጋይ፣ ንዓደን፣ ንምላሹ፣ ነቦ ጉዕላይ፣ ንፍላስፋ ህንዲ፣ ንትጃር፣ ንኣላይ፣ ንሱሌማን፣ ንባህታን፣ ዝመስሉ ሰባት ይብዝሑ ይበርክቱ! ነዛ ዓድና ይምልኡዋ! ነዚ ህዝቢ ተስፋን ትብዓትን የውርዱሉ!” ንዝብል ምርቓ’ውን ከይገፋዕኩ ኣሜን ምበልኩ።
“ምስጢረ ፍቕሪ ሚለናን ጽሓፋይን ካብ’ቲ ተዓኹሊልዎ ዘሎ መጻወድያ ሂወት ተፈቲሑ ይዘርጋሕ። እንታይነት እውነታዊ ፍቕሪ ንጹር ትርጉም ይልበስ። ነቶም ሂወቶም ብጭርጭር ዓበደ ፍቕሪ ዘኹድድ ዘሎ መለበሚ ይኹን።” ኢሎም ዝምርቑ ኣንበብቲ ኣይርከቡን ኣይብልን። ብሕልፊ’ቶም ምስጢር ፍቕሪ ንምርካብ ታሪኽ መድረኻትን ፊልምታትን ብስም’ኳ እንተተመሰለልና ኢሎም ምኣዝናት ጠመተ ኣብ ምቅይያር ዝውዕሉ ዘለዉ ደረስቲ ምስ ናይ ሓቂ ፍቕሪ ገጽ ንገጽ ክራኸቡ ይምነ።
ብሓደ ወገን ትምቢተይ ዝተጋህደለይ እዩ ዝመስለኒ። ኣሽሓት ካብኡ ብመልክዕ ኮነ ብስነምግባር፤ ብሓቅነት ኮነ ብትብዓት፤ ብማህዛውነትን ብመቦቆላውነትን ዝርሓቑ’ኳ እንተርኣኹ ክንደይ ቡዙሓት ድማ ቅምጥ ኢሎም መዝገበ ዝመስሉ ጎፍ ስለዝብሉኒ ወቓሕትኦም ተስፋ ይህበኒ። ንሚለና ዘዘኻኽራኒ ምጩዋትን ውሓለታትን ኣብ መድረኽ ተዋስኦታትን ፊልምታትን ፈጠራዊ ዛንታ ከም እጃመን ንኽቕበላ ብዓቕሊ ተሰሪዐን ብተስፋን ባህግን ይዕዘብ። ኣብየት ክጽብቕ እቲ ትምኒተን! ኣብየት ክጥዕም ድሃየን! ድምጺ ኢለን መለስ ንሂወት ብተስፋ ቀሊቡ ናብ ብርሃን መጻኢ ከቀራርበኒ እንከሎ ካብ ድቃስ ይነቅሕ። ንምላሹ ዝመስላስ ምዓስ ውሒደን። ንኣዛሚት ዝመስላኸ? ንተበርህ ዝመስላኸ? ምስለን ግዳማዊ ልብሲ ድዩ ውሽጣዊ መንፈስ እንዳበልኩ ዝጠራጠረሉ እዋናት’ውን ኣይሰኣንኩን። ብግዳማዊ መሸፈኒ ነድሪ ሓቂ ዘሰምበሮም መንእሰያት ሰጎምቲ መሲሎም ክርኣዮ ምድላይ ልሙድ ዝኸውን ዘሎ ይመስለኒ። ቅልዕ ምስ ኣበልካ ግን ናይ እርጋን ድሕረት ዝዓጣጠሮ ኣተሓሳስባ ዝሓብኣ ወይ ዝሓብኡ እንዳጎነፈኒ ዘይተገረምኩ ኣይኮንኩን።
ሳዋ ሃገር ፍልጠትን ምዕባለን ንኽትከውን ትገብሮ ዘላ ምቅርራብ ግህዶ ሕልሚ ሃገር ዝኾነሉ ወቕቲ ርሑቕ ኣይመስለንን። ሳዋ ምልክት ሃገር ድሕሪ ኮይና ብሓቂ መድረኽ ፍጹም ተኽእሎታት ንኽትከውን ብቑዕ ክእለት ቪድዮ ጥራሕ ኣይፈለያ። ብፍልስፍና ዓብዱ ትቀባእ። ብራእይ ጉዕላይ ትመራሕ። ንጸጋይ ክመስሉ ዘይደልዩ መማህራን ተርሕቕ። ኢዶም ዘየጽረዩ ይኣክበላ። ኩሎም ናብኣ ዝውሕዙ ብብልሒ ኣሰለጣጥና ይተዓጠቑ። ካብኣ ተማሂሮም ዝወጽኡ ድማ ብፍጹም ክእለቶምን ብቕዓቶምን ይፈለጡ።
መጻሕፍተይ ብብልሒ ኣነጋግራይ እየ ከጸብቕ ፈቲነ። ኣብ ምዝንታው ሰጋእ ኣይበልኩን። ኣብ ምፍጣርን ኣብ ምምሃዝን ኣይፈራሕኩን። ትምኒት ኣይከበደንን። ሕልሚ ኣየበራበረንን። ብውነይን ብትሕተ ውነይን ጽሒፈ። ኣብ ዝጭድሮ ጨዲረ እየ። ብዝተደጋገመ ዘረባ ትምኒተይ ከካፍል ኣይደለኹን። ብሕልፊ ግን ፍቕረይ ክገልጽ እየ ፈቲነ። ብርሃን መሊኡ እዩ ኣብ ዓለም። ብልዑል መንፈስ እንዳተቓጸልኩም ልዑል ትርጉም ብዘለዎ ወግዒ ተመያየጡ። ካብ ጣኦታት ዑረት ተገላገሉ። እኩብ ጉሓፍ እምነትኩም ክሳብ ዝጽንቀቕ ኣፍስስዎ። ብሓድሽ ንምምላእ ዕረቑ። ልዑል ጠምቱ እንዳበልኩ መኺረ እየ። ኣንበብቲ ድማ ንሕና’ውን ነፍቅረካ ኢና ክብሉ ሰሚዔ ኣለኹ።
ኣብ’ቲ ዝተጋሃደ ሕልመይ ምንባረይ ይሐጉሰኒ። መንግስቲ ማእከል ትካላዊ ብቕዓት ዝብል ስም ሂቡ ኣብ ዘቖሞ ትካል ክሰርሕ ኣንከለኹ መድረኽ ፍጹም ተኽእሎታት ኣብ ሞያ ምሕደራ ንምውዓል ዝተበገስኩ ይመስለኒ። ነቲ መንክር ግብሩ ቪድዮ እንዳተማሕጸና ፍልስፍና ዕምባባ እምኒ ትካላት ኤርትራ ዝኽተልኦ መምርሒ ንምግባር ምስ ብጾተይ ክንቃራረብ እንከሎና ይግረም። ኣብ ማእከል ግሩማት ጎቦታት ኮይነ ነቲ ርሑቕ ዘይኮነ ድምጺ ባሕሪ ክሰምዕ ምኽኣለይ ኣብ ንቕሓት ውነን ኣብ ሰለምለም ትሕተውነን ዘሎ ናብራ የለብመኒ። ኩልና ነቲ ብኸንቱነት ዓቢይ ዝመስለና ዝነበረ ንኡስ ዘረባታት፣ ነቲ መልክዕ ዝመስለና ዝነበረ ፈኲስ ቅርጽታት፣ ነቲ ብላሽ ዝኾነ ስሚዒታት፣ ነቲ ፍረ ዘይብሉ መዘናግዒታት ዋጋ ከምዘይብሉ ፈሊጥና። እቶም ትካላት ሃገር ከጸብቑ ላሕ ዝብሉ ውፉታት ድማ ኣብ ጎቦታት ብዝድገም ፍልስፍናታት እንዳተሃነጹ ብሓድሽ መንፈስ ውርዙዋት ትካላት ክቕንዑ ምዃኖም ይኣምን። ሂወትን ሕልምን ኣብ ምንታይ ከም ዝፈላለያ ኣይፈለጥኩን። ኣብ ስነጥበብን ሂወትን ዘሎ ፍቕርን ስኒትን የገርመኒ። ክንደይኮን ምጸበቐ ኩሎም ዝተምሃሩ መማህራንን መማሓደርትን ሰብ ሞያን ፈላጣትን ብስነ ጥበብ እንተዝቕደሱ! ስነጥበብ ኢዳ እንተተንብረሎም! ናይ ስነጥበብ ፍልጠት ክንደይኮን ምልኣት ምሃቦም!
ኣብ ስነጽሑፍ ንዘሎ ፍቕሪ መምዘኒ የብለይን። ስነጥበባዊ ስነጽሑፍ ክንፈጥር ንትብሉ ድማ ምኽረይ ነዊሕ ኣይኮነን። ኣፍቅሩ! ስነጥበብ ንግዜያዊ ረብሓ ኢላ ኣይተፍቕርን እያ። ነቶም ናይ ሓቂ ዝምነዩዋ እያ ትግሃድ። እቶም ዘፍቅሩዋ ሸዊት ዕድሚኦም እዮም ዘወፍዩላ።