ሞት ናይ'ቲ ኤርትራዊ ነብይ

by Dessale Berekhet
በየነ ሃይለ። ዓጽመ-ስግኡ እምበር ስርሑን ራእይኡን ዘይመውት ፍጡር!
ሎሚ ጊሓት መርድእ ሰሚዐ፣ “ሰብ መይቱ!” ኢላትኒ ደዋሊት፣ “መን?!” ኢለያ ብህውኽ ቃና፣ ንኽትነግረኒ ግን ተጠራጢራ፣ “ክትስንብድ እንዲኻ እሞ…” ሓልያትለይ፣
“ካብታ መዋቲ ምፍላጥ እዛ ኣንጠልጢልክኒ ዘለኺ ትኸፍእ” ኢለያ፣ ንሳ ግን ንዓይ ሓሊያ ጥራይ ኣይነበረትን፣ ነቲ ህያው ፍጡር መይቱ ኢላ ከተርድእ እውን ድፍረት ኣይረኸበትን፣ ድሕሪ ክንደይ ዕጥይጥይ ግን፥ ደራሲ በየነ ሃይለ ትማሊ ኣብ ሆስፒታል ኦሮታ ምዕራፉን ስነ-ስርዓት ቀብሩ ንሎሚ ኣብ ጸጸራት ዝፍጸም ምዃኑን ሓበረትኒ፣
ሰባት። ኣብ መንጎ ደራሲ በየነ ሃይለን ገጣሚ በየነ ሃይለማርያምን። ገለ ግዜ ናይ ስም ምድንጋራት ዝገብሩ ኮይኑ ስለ ዝስምዓኒ ዝያዳ ከረጋግጽ ነበረኒ፣ ደዋሊት ግን ብዘየማትእ መንገዲ ኣረጋጊጻትለይ፣
በታ ዝሑል ንፋስ ተስሉኽ ዝነበረት መስኮተይ ናብቲ ልሙዕ መሬት ኡጓንዳን ትፍ-ትፍ ዝብል ዝነበረ ዝናብን ኣማዓደኹ፣ ሻቡ። ‘መሬት እንተ ወትገብእ ውስተ መሬት!’ ትብል ናይቲ ቍዱስ መጽሓፍ ጥቕሲ ኣብ ኣእምሮይ ቅጅል በለትኒ፣ “ካብ መሬት ኢኻ እሞ ናብኣ ድማ ክትገብእ ኢኻ” ትእዛዝ እዩ፣ ንኹሉ ፍጡር ብማዕረ ዝባጻሕ ትእዛዝ፣
ስነ-ጥበበኛ ግን ካብ ሓመድ ደኣ ተፈጥረ እምበር ናብ ሓመድሲ ኣይምለስን እዩ፣ ወይ ድማ እቲ ሓመዳዊ ክፋሉ ናብ መሬት ተመሊሱ፥ እቲ ረቂቕ መንፈሱን ራእኡን ግን ንዘንተ-እለት ህያው ኮይኑ ይነብር፣
ገለ ኣዋርሕ ኣቢሉ ይገብር ምስ ሓንቲ ብዛዕባ ድምጻዊ ኣብርሃም ኣፍወርቂ ዝጸሓፈት ኤርትራዊት መንእሰይ ብዛዕባ እታ ዝጸሓፈታ ዓንቀጽ ነዕልል ነበርና፣ ሃንደበት ድማ። “እዞም እንዳ ዜና ከሕሩቕኒ መዓት እዮም፣ ይገርመካ እኮ እዩ፣ ንኸም በዓል ኣብርሃም ኣፍወርቂ ዝኣመሰሉ ስነ-ጥበበኛታትሲ ነብስሄር ይብልዎም ኣንታ?!” እንኮላይ ሕትኡ ብነድሪ ክትዛረበኒ ትዝ በለኒ፣
እዛ ዘረባ እዚኣ ድምጻዊ በረኸት መንግስትኣብ እውን ኣብቲ ኣብ ከተማ ካምፓላ ዝተዓደመ ምሸት ስነ-ጥበብ ብህየታ ደገማ፣ ዘይመዋትነት ጥበብን ስነ-ጥበበኛን! እንዳ ዜና ግን ከም ኣመሎም ደኣ ገበሩ፣ ኣብቲ ኣምሲይኡም ዘቕረብዎ ዜና ዕርፍቲ ስነ-ጥበበኛ በየነ ሃይለ፥ “ስነ-ስርዓት ቀብሪ ነብስሄር ኣቶ በየነ ሃይለ ሎሚ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ኣስመራ ተፈጺሙ!” ምስ በሉ ነቶም ጥበብን ስነ-ጥበበኛን ዘለኣለማውያን እዮም ዝበሉ ዘከርኩ፣ ብዝኾነ…
እዚ በልና እቲ። ዓቢ ደራሲናን ንኤርትራዊ ራኢ ክውን ንምግባር ለይትን መዓልትን ድቃስ ዝተሓረመን ኣቦ ብውሕዱ ብኣካል ተፈልዩና ኣሎ፣ ህላዊኡ ኣብ ልቢ ኣሽሓት ህዝቡ ሓዲሩ ምህላው ዘጠራጥር የብሉን፣ እቲ ዝልግሰልና ተስፋን ምዕዶን። ምውቕ ፍሽኽትኡን ግን ድሕሪ ደጊም ከም ቀደሙ ኣይክንረኽቦን ኢና፣
ንኣቶ በየነ ሃይለ ቅድሚ ብኣካል። ከም ኩሉ ኤርትራዊ። ብስሙን ስርሑን እየ ዝፈልጦ፣ ሓደ ግዜ። ብኤርትራዊ ምሁር ዶ/ር. ግርማይ ነጋሽ። ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ዝተዋህበ ‘ኮርስ’ ነበረ፣ ኣነ ድማ ተሳታፊ ነበርኩ፣ ካብተን ክንግምግመን ዝተዋህባና ልብ-ወለዳት መጻሕፍቲ እታ ሓንቲ ‘ዓቢዱ’ዶ ትብልዎ?’ እትብል ብደራሲ በየነ ሃይለ ኣብ 60ታት ዝተደርሰት ነበረት፣
ነታ መጽሓፍ ኣቐዲመ እውን ነቢበያ ነበርኩ፣ ንገምጋም ኢለ ምስ ኣንበብክዋ ግን ፍሉይነታ ዝያዳ ጎልሓለይ፣ ዳሕራይ ባዕሉ ዶ/ር ግርማይን ተሓጋገዝቱ ዝነበሩ ኣልማዝ ገብረኣምላኽን ኣብራሃም ተስፋልኡን እውን ከም ዘረጋገጽዎ። እታ ስራሕ። ‘ስነ-ጥበብ ንስለ ጥበብ!’ ዝተሰርሐት ነበረት፣ እቲ ዝያዳ ፍሉይነታ ከኣ ኣብኡ ይጅምር፣ እቲ ደራሲ እውን ኣብቲ መእተዊ መጽሓፉ ከምኡ እዩ ዝብል፣ በቲ ግዜ እቲ። “ጥበብ ንጥበብ ክዕየ ኣለዎ!” ምባሉ ድማ መንቋሕ-ቋሕትኡ ኣብቲ ዓውዲ ክንዲ ምንታይ ምንባሩ ይእምተልካ፣
ንበየነ ሃይለ ብኣካል ክፈልጦ ዕድል ምስ ረኸብኩ ግን ሓደ ሓቂ ተጋሂዱለይ፣ እቲ ኣብታ መጽሓፍ ዘሎ። ብሕብረተሰቡ ዓቢዱ ከይከውን ዝተጠርጠረ፥ ብናጽነት ገዛእ ዊንኡን ዊንትኡን ዝኸይድ ቀንዲ ገጸ-ባህሪ። መንእሰይ መዝገበ። እቲ ደራሲ ባዕሉ ምዃኑ ዘስተብሃልኩ መሲሉኒ፣ ክሳብ ክንደይ ዝኣኽሉ ሰባት ከምዚ ናተይ ትዕዝብቲ ነይርዎ ኣይፈልጥን፣ በየነ ሃይለ ግን ፍሉይ ዝሓስብ፥ ስነ-ጥበበኛ ዘይኮነስ ኩሉ ነገራቱ ጥበብ ኮይኑ እየ ረኺበዮ፣ ኣብ ዘይእዋኑን መዋእሉን ኣብዛ ዓለም ዝመጸ ፍጥረት ከይነብር ድማ እጠራጠር፣
ብርግጽ በየነ ይርደኣና ነይሩ ይኸውን እዩ፣ ክንደይ ካባና ግን ተረዲእናዮ? ክሓቶ እምበር ክምልሶ ዘይክእል ጕዳይ እዩ፣
ንመጀመርታ ብኣካል ዝረኸብክዎ ግዜ ኣብ እምባሶይራ ሆቴል ነበረ፣ ካብ መንጎ እቶም ከቢቦምዎ ዕላሉ ዝሰምዑ ዝነበሩ ሓንቲ መማህርተይ ነበረት፣ ኣብታ ‘ዱኳን ትበርህ’ ትበል መጽሓፉ። ‘ጓል-ሕድርትና ሳሕል’ ኢሉ ዝጠቕሳ ንዕኣ እዩ ክበሃል እውን ብሰበ-ሰብ ሰሚዐ ነበርኩ፣ ዕላል ከተማ እውን ክኸውን ይኽእል እዩ፣ ብዝኾነ…
ስመይ ጠቒሳ ኣፋለጠትኒ፣ ኤርትራዊ ባህሊ ግዲ ኮይኑ ኣነ ብዛዕባ ገዛእ-ርእሰይ ክብሎ ዘይደፍር ነገራት ወሳሲኻ እያ ነጊራቶ፣ ከመቕጽበት ገጹ ክበርህ ኣስተብሃልኩ፣ ከምቲ ንሳ ገይራ ዝገለጸትኒ ኤርትራዊ መንእሰይ ክርኢ ምኽኣሉ ዝፈጠረሉ ውሽጣዊ ባህታ ንደገ ገጹ እውን ይጎስዖ ነበረ፣ ኣነ እውን ጽቡቕ ኤርትራዊ መንእሰይ ዝምነ ሰብ ብምርኣየይ ሓጎሰይን ኣብ ልዕሊኡ ዝንበረ ፍቕረይን ሰማይ ዓረገ፣ ደጊመ ፍንትት ኢለ ምስ ጠመትክዎ ኣብ ኣዒንቱ ፍሉይ ሕጂ ክገልጾ ዝእግመኒ ነገር ተዓዘብኩ፣
“እንታይ ትገብር ኣለኻ ሕጂ?!” ሓተተኒ፣
እቲ ግዜ ምስ መም. ሙሳ ኣሮን ንዘዳሎናያ ያታን ባህልን ሕብረተሰብ ትግረ ዝሓዘት መጽሓፍ ‘ሜራስ’ ነጻፍፈሉ ዝነበርና ግዜ ነበረ፣ ምስናይ ስክፍትኡ ከኣ ነገርክዎ፣
“ኣብዚ ዕድመ እዚ ምስ ከም በዓል መምህር ሙሳ ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ደረስቲ ምስራሕ ዓቢ ዕድል እዩ!” በለኒ፣ እቲ ዕድል ዘይዝንግዖን ከም ፍሉይ ጸጋ ዝቖጽሮን እኳ እንተ ነበርኩ። ካብቲ ህዝቡ ከም ሃዋርያ ዝርእዮ ፍጡር ከምኡ ዓይነት ዘረባ ምስምዐይ ግን ነቕ ዘይብል ባህታ ፈጠረለይ፣
ንኽትሰምዖ ዘወናውን ቋንቋ ዝዛረብ። እምብዛ ምውቕቲ ልቢ ዝነበረቶ ሰብ እዩ፣ ልዕሊ ዝኾነ ነገር ዛዕብኡ መንእሰይን ብዛዕባ መንእሰይ ነበረ፣ ንጹር ራእን ዕላማ ነይርዎ ክኸውን ኣለዎ፣ ናብቲ ክንረብሓሉ ዝግበኣና መንገዲ ከኣንፍተና ዝሓለነ ይመስል፣ ብኡ ኣቢሉ ድማ ሃገራዊ ቡሰላ ክቕልስ ዝደለየ እዩ ዝመስል ነይሩ ኣቶ በየነ፣
ሓደ ካልእ ግዜ። ዶ/ር. ግርማይ ነጋሽ ኣብ ስነማ ኦድዮን። ንኤርትራዊ ስነ-ጽሑፍ ኣመልኪቱ ሓፈሻዊ ‘ኮርስ’ ይህብ ነበረ፣ ኣብቲ ዓበይቲ ሃገራውያን ደረስቲ። ጸሓፍትን ተዋሳእትን ዝተረኽብሉ ግዜ እውን ካብተን ንኽንግምግመን ዝተዋህባና መጻሕፍቲ እታ ሓንቲ ‘ድኳን ትበርህ’ ነበረት፣ እንተ ዘይተጋግየ። ገጣሚ መለስ ንጉሰን ጸሓፊ ኣብራሃም ተስፋልኡልን እዮም ገምጊሞማ፣ ዘዝመስሎም ገምጋም ምስ ኣቕረቡ ከኣ መድረኽ ንተሳተፍቲ ተኸፍተ፣
ኣብ መንጎ እቲ ዕሙር ክትዕ። ደራሲ መጽሓፍ ‘ሮዛን ሰልየን’ ኣቶ እስቲፋኖስ ገብረሚካኤል ንኽዛረብ ዕድል ረኸበ፣ ንሓደ ፈረንሳዊ ደራሲ ጠቒሱ ድማ። “ኣነ እዚ ደራሲ ንዓና ጥራይ ዘይኮነ እንኮላይ ንገዛእ-ርእሱ ዘይርድኦም ነገራት እዩ ጽሒፉ ዘሎ፣ ሕጂ እውን እንተኾነ ንሕና እናተኻታዕና። ደራሲ (ንበየነ ሃይለ ማለቱ እዩ) ብልቡ ይስሕቀና ይህሉ እዩ!” በለ ብሓውሲ ነድሪ፣
ኣነ ብድሕሪት ነይረ፣ በየነ ሃይለ ድማ ኣብ ጎድነይ ነይሩ፣ ብልቡ ጥራይ ዘይኮነስ። በታ ልምድቲ ተፈታዊት ፍሽኽትኡ ጸጸኒሑ ክምስ ክብል እውን ሰሰሪቐ ይርእዮ ነይረ እየ፣ እታ ዘረባ ኣቶ እስትፋኖስ ግን ወትሩ ተተሓሳስበኒ ነበረት፣
በየነ ሃይለ። ዋላ ንባዕሉ ክርድኦ ዝእግሞ ጽሑፋት ድዩ ኣዳሊዩልናስ ንሕና ኢና ድሒርና ዘለና እሞ ምርድኡ ሰኒፍና? እዚ ምስጢር እዝስ በየነ ንመን ኮን ነግርዎ ይኸውን? ዶስ ዓቂብዎ እዩ ንዓዲ እዚግሄሩ ከይዱ? ምናልባት። መን ይፈልጥ ግዜ ዝህቦ መልሲ! ብዝኾነ…
‘ድኳን ትበርህ’ ብተመስጦ ከንብባ ካብ ዝገበሩኒ እቲ ቀንዲ ምኽንያት፥ ሓደ ካብ ናይ ቀረባ ቤተ-ሰበይ። “ኣንቢብካ ክትርድኣ ዘይትኽእል መጽሓፍ እያ!” ስለ ዝበለኒ ነበረ፣ ገለ ዝርድእዎ ግን ኣይነበሩን ድዮም ንበየነ? ሓደ ግዜ ዶ/ር. ግርማይ ነጋሽ ብዛዕባ ‘ድኳን ትበርህ’ ክዛረብ ምስ ሰማዕክዎ ሰንቢደ እየ፣ “እታ መጽሓፍ ክልተ ኣዘንተውቲ እዮም ዘለዋ፥ እቲ ሓደ ከኣ ኣብ መንጎ ይመውት!” ይብል ነይሩ ዶ/ር. ግርማይ፣ እቲ ነዛ መጽሓፍ ኣንቢበ ዝወዳእኩን ነዚ ኹሉ ዘይተረዳእኩን ኣነ ደኣ ኣበይ መይተ ነይረ ማለት እየ?!!
ድሕሪ እዚ እየ ኸኣ በየነ ሃይለ በቲ ብዓቕምና ንመልኮ እንብሎ ቋንቋ ጽሒፉ ከም ዝበደሃና ዝተረደኣኒ፣ ሓደ ግዜ እውን ደራሲ ዓብደልቃድር ኣሕመድ (ዓብዳት)። “ጽሑፋት በየነ ዕርቃና ኣውጺኦምና እዮም፣ ከም ኩሉ ዕርቃኑ ዝወጸ ሰብ ብዛዕብኦም ክንጠቅስ እንከለና ሕንከት ክስማዓና ግድን እዩ!” ዘስምዕ ዘረባ ክዛረብ ሰሚዐዮ ነበርኩ፣ ሓቁ እዩ ዓብዳት፣ ደራሲኻ ብሃገራዊ ቋንቋኻ ጽሒፉ ክውጥረካ ቀሊል ብድሆ ኣይኮነን፣
እቲ ጽቡቕ ነገር መጻሕፍቲ ኣቶ በየነ። እቲ ቅዲ ኣጸሓሕፍኦም ቅኔኣውን ግጥማውን ባህሪ ስለ ዘለዎ ከከም ዓቕምኻ ዘዝመስለካ ሓሳብ ትጭንግፈሎም ኢኻ፣ ሓይሎም ድማ ኣብኡ እዩ፣
እታ ምስ ጸሓይ ዊዓ እናተቐለስኩ ከንብባ ዝሃቀንኩ ‘ትጽቢት ባህጉ’ ልክዕ ከም ትጽቢተይ ንሳ እውን ከምታ ቀዳመይቲ ሓብታ ‘ዕርቃነይ’ እያ ኣርእያትኒ፣ ብዝኾነ…
መጨረሽታ ንበየነ ሃይለ ርእየሉ ዝብሎ ግዜ እንተ ነይሩ። መመረቕታ ናይታ ‘ወግዒ ልቢ’ እትብል ድራምኡ እዩ፣ ነታ ድራማ ዝኣለየ ስነ-ጥበበኛ መንእሰይ ኣብራሃም ክመጽእ ዓዲሙኒ ነይሩ እዩ፣ ልዕሊኡ ግን ዝዓደመኒ ነገር ነይሩኒ፣
እታ ድራማ ንሳንሱር ኣብ ባህላዊ ጉዳያት ምስ ቀረበት ተሓንኵላ ምንባራ ሰሚዐ ነይረ እየ፣ እዚ ድማ ንኽርእያ ዝያዳ ህንጡይነት ፈጢሩለይ ነበረ፣
ኣብታ ናይ መመረቕታ ምሸት። ሓደ ኣባል ፈጻሚት ህግደፍ ተዓዲሙ ነይሩ፣ እታ ድራማ እውን ንሱ ክርእያ እያ ትቐርብ ነይራ፣ ክትረኤ ድያስ ክሳብ ንሓሳባት ካልኦት ዝጻወሩን ናይ ኣተሓሳስባ ናጸነት ዝበሃል ነገር ከም ዘሎ ዝርድኡ ሰባት ኣብ ኤርትራ ዝበቑሉ ክትቅመጥ እያ እታ ውሳነ ኣብ ኢድ እዚ ሓደ ኤርትራዊ ነበረት፣
የግዳስ። ዕድል ናይቶም ንኣዋርሕ ዝተላማመድዋ ተዋሳእቲ ግዲ ጸቢቑስ እቲ ንኽርእያ ተዓዲሙ ዝነበረ ሓላፊ። ከምኡ ሓደ-ኽልተ ሰበ-ስልጣናት እንተ ዝርከቡ እታ ንዓመታት ኣብ ሓንጎልና መጻኢት-ኤርትራ ኢልና ዝቐጀልናያ እውን ሕልሚ-ደርሆ ኣምበይ-ምኾነትን ካብ እንብሎም ሓደ ነበረ፣ ኣድናቖቱ ብምግላጽ ከኣ። ተዋሳእቲ ዓቕሞም እንተ ፈቒድሎም ዋላ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ እንዳ ዘሩ ከርእዪዋ ተላብዩ ከደ፣ ለካ እቲ ዓቢ ሓላፊ እውን ክብርን ዋጋን ስነ-ጥበብ ዝርዳእ ሰብ እዩ ነይሩ፣
‘ወግዒ-ልቢ’ ደጊመ እውን ምስ ህዝበይ ተዓዚበያ እየ፣ ኣዝያ ፍልስፍናዊትን ንቕድሚት እትመርሕ ብፍሉያት ገጸ-ባህርያት ዝተሃንጸትን ነበረት፣
ብዛዕባ ስነ-ጥበበኛ በየነ ሃይለ። ካልእ ክብሎ ዝደሊ ኣብ ልዕሊ እቲ ዝጥቀመሉ ቅኔኣዊ ቋንቋ። ገለ ዝጥቀመሎም ቃላት እውን ፍሉያት ነበሩ፣ ነቶም ብቛንቋ እንግሊዝ ‘ኢንተለክቹዋል’ እንብሎም ምሁራት ‘ቀለም-ቀመስ’ እዩ ዝብሎም ዝነበረ፣ ን’ኮንሾስ’ን ‘ሳብ-ኮንሾስ’ን ድማ ልዕለ-ውኖን ትሕተ-ውኖን እናበለ ይኸፋፍሎ፣ ካልእ ብዙሕ ኣነ ዘይዝክሮ ምህላዉ ርዱእ እዩ፣
እዚ ጽሑፍ እዚ ብሃንደበትን ብዘይ ምድላውን ዝጸሓፍ ዘሎ ስለ ዝኾነ። ነቲ ኣቶ በየነ ንትካላዊ ኣሰራርሓ ኤርትራ ንምቕያርን ንምምሕያሽን ዝገበሮ ዝነበረ ሓያል ጻዕሪ ዘጠቓልል ኣይኮነን፣ ኣብ ዝቕጽል ግዜ ደራሲ በየነ ሃይለ። ኣብ ነሓሰ 2006። ኣብ መጽሔት ‘ጸዳል’ ዝስፈሮ ስለምንታይ ከም ዝጽሕፍ ዝሕብር ጽሑፍ ከነቕርበልኩም ምዃና ቃል ንኣቱ፣ ብዛዕባ ደራሲ በየነ ሃይለ ዘለኩም ኣፍልጦን ተዘክሮታትን ከተካፍሉ ምስ እትደልዩ ድማ ባብና ርሑው ምዃኑ ክንሕብረኩም ንፈቱ፣