• Home
  • About
  • Writing
  • Paintings
  • In Memoriam
  • Contact
  • Blog
  • ዝኽሪ ን ‘ሓወልቲ’ መድረኽ ፍጹም ተኽእሎታት
  Beyene Haile - author, poet, artist, playwright, thinker, educator

መእተዊ ንባብ ብመኣዛ ሃይለ ብምኽንያት ቀዳማይ ዝኽሪ ስነጥበባኛ  በየነ ሃይለ ፣

Picture
Dr. Meaza Haile
ብመኣዛ ሃይለ 

ክቡራንን ክቡራትን፣ 

መጀመርያ ነዳለውቲ ምስጋናይ የቕርብ።  ቀጺለው'ን ዝብሎ ኣነ ስነጥበብ ኣንታይ እዩ ኢለ ከይተምራመርኩ እዚ ዝስዕብ እዩ:

መጀመርያ  ቅብኣ  ወይ ድማ  ስእሊ  ንበያን  ሓወይ   ጸዋዕታ  እዩ  ነይሩ። እዚ   ክብል  ከለኹ ኣብ  ውሽጡ ኮይኑ ጸሓፍ  ጸሓፍ  ወይ ካኣ ሰኣል  ሰኣል  ዝብል  መንፈስ  ሓዲሩዎ  ነይሩ።  ኣዚ  ኸኣ ካብ  ሕጻንነቱ  ጀሚሩ እዩ። ንሰባትው’ን ብሕብሪ  ይርእዮም  ነይሩ፣ ንኣደይ  ብሰማያዊ  ንኣቦይ  በቐይሕ  ሕብሪ  ይሪኦም  ንኣደ  ዓባየይ  ከኣ  ብጻዕዳ-ሰማያዊ  ይሪኣ  ነበረ፣ ንሱ ከምዝብሎ ዝነበረ ከኣ ንሕና  ደቂ  ሰማያዊን  ቀይሕን  ኢና። 

ኣብ  ሓደ  ዝጻሓፈለይ  ወረቀት፣ንቃላትው'ን  ብሓደ  ኣተራጉማ  ኣይሪኦምን ከምዚ  ኢሉውን  ምስ ኣቶም ይዋሳእ ነበረ። 

"ህይወተይ  ምሉእ  ንቓላት ክመልኽ  ኣዚየ  ጺዒረ  ኣንተኾነ  ግን  ከምዘይምለኹለይ  ተዓዚበ፣"

ኣብ  ሓደ ጽሑፉ  ንገሊኦም ቃላት ካኣ  መልእኽተይ  ኣየብጹሑለይን ኢሉ  ይኸሶም፣ ንሱን ሕብርን  ቃላትን  ናይ  ፍቕሪ  ታሪኽ  እዩ  ዘለዎም ኢለ  ይኣምን፣  

ካብ ጽሑፋቱ ሓንቲ  ዓቢዱ’ዶ  ትብለዎ? እትባሃል  ሕጂ  ብእንግሊዚኛ ብወዲ ሓፍቱ ሕሩይ ግርማይ ተተርጕማ  ዘላ ፣ ናይ  ሓደ ውልቀሰብ  ኣብ  ሕብረተሰብ  ዘለዎ  ቃልሲ  እሞ  ናይ  ስነጥበብ  ተወፋይነትን  መስዋእትን ተረዳኣና።  እዚ  ክብል ከለኹ ኣብ  ጽሑፋቱ ናይ ቃላት  ማህዛ  ንዕዘብ ከምኡው'ን  ኣገላልጻ  ፍቕሪ ወዘተ … እዚሞ ርእሱ  ዝኻኣለ  መጽናዕቲ  ይሓትት። ከም  ስነጥበባኛ  መጠን  ግን  መሃዚ፣  ፈጣሪ  ቓንቓ፣  ፈጣሪ  ሕብሪ  ክባሃል  ይካኣል።

ስነ  ጥበብ  ካብ  ትምህርቲ  ዘይኮነ ካብ  ሓንጎሉ ከም  ማይ ዝፍልፍል  እዩ  ነይሩ። ብዙሓት  ቓንቓ  በሰዋስው  ጥራሕ  ክገልጽዎ  ይህቅኑ፣  ቓንቓ  ግን  ልዕሊ ሰዋስው  እዩ።  በየነ ሃይለ ከኣ  ግጥመኛ ስለ ዝኾነ  ዘይዕገት  ኣበሃህላ  ገይሩ፣ ነቲ  ቓንቓ  ይምህዞ ከምኡው'ን በሕብሪ ይቀብኦ፣ ነዚእዩ  ሰነጥበበኛ ፈጣሪ  ዘበሃል።

ካብ  ዝጸሓፎ  ዘይጸሓፎ ይበዝሕ፣ ዝበዝሕ  ኣናኸደ  ኣብ ሓንጎሉ  ይጽሕፎ፣  ይቐርጾ፣ ይስእሎ ነይሩ። እቶም  ዝፈጠሮም  ሰባትን  ቦታታትን  ምስኡ  እናተዋስኡ ይነብሩ፣ ሰባትው’ን  ባዕሉ ዝፈጠሮም  ንዕኡ  ጥራሕ  ዝራኣዮ  ጽባቐ  ከምቲ  ኣብ ድኳን ትበርህ ብምንታይ  ትርእዩ  ኢሉ ዝሓተተ ንሱ  ነዛ ዓለም ብናቱ  ሕብሪ  ይሪኣ  ነይሩ።

እዚ  ኹሉ  ካብ  ኣዘራርቡኡ፣  ኣነባብሩኡ፣  ኣማሃህርኡ ተዋሃሂዱ ከም ኣብነት ይረአ፣ ክንደይ Phd ታት  ምኾነ  የብል። ኣነ  ግን  ካብ  ኩለን ዘተማሃርኩለን ዩኒቨርስታት  ካብኡ ዝተማሃርኩዎ  ይበልጽ።  ሓደ  ካብቶም  ፈላጣት ዝብሎም  መምህረይ  ብዛዕባ  Phd ከምዚ  ይብል:  "Phd ናይ ምርምር ወይ መጽናዕቲ  መጀመሪያ  መድረኽ  እምበር  ሽሞት  ኣይኮነን ይብል፣" 

ኣነ  ዘሐጉሰኒ  ናይ በየነ  ስራሕ  መደምደምታ  የብሉን፣ መንከ  እዩ  ዝግምግሞ? ኣብዛ ዓለምና ከም  ዘላኣለማዊ  ኮይኑ  ከምዝተናበረ ናይቲ  ዘላኣለማዊ  ሓወይ ስራሕውን ንወትሩ ምስ ዓለም ክላለ ክነብር እዩ።


Beyene Haile © 2012-2018
  • Home
  • About
  • Writing
  • Paintings
  • In Memoriam
  • Contact
  • Blog
  • ዝኽሪ ን ‘ሓወልቲ’ መድረኽ ፍጹም ተኽእሎታት