“......
ክራር፡ ዋጣ ድሕሪ ዘይተገቲሩ
ኣየበስርን ቃና ድሕሪ ዘይተወጢሩ
ድሕሪ ዘይጠቢቑ ብፈኲስ ተኣሲሩ
ድምጺ የብሉን ክራር ሞት’ዩ ሓዳሩ።
ሰብ’ውን ይወጠጥ ብምህዞ ይወጠር
ብራኢ ይኹን ብባህጊ ክሳብ ዝኽረር፡
ይወጠጥ ብጥሜት ሓቂ፡ ብድሌት ጽባቐ
ብፍትሒ ይትኣበድ ንሓቂ እናተጣበቐ።
......” ካብ ድራማ “ወግዒ ልቢ” እተወስደ’ዩ።
ኣብ ቤት ማእሰቲ ማይ-ስርዋ ገዲምን ሓድሽን እሱራት የዕልሉ ነበሩ። ሃለዋት ሓያሎ ሰባት ሓቲቱ እቲ ገዲም።
“ኣብ ጁባ ትካል ገይሩ’ሎ። እገለ’ውን ጠቕሊሉ ዱበይ ከይዱ። ኩስቶ’ሞ ግደፎ ተተኲሱ ኣብ ኡጋንዳ...” እናቐጸለ፡
“ብድሕሬናስ ኩላ’ያ ሃብቲማ በለኒ” ንውሓት ዓመታት ማእሰርቱ ‘ናስተንተነ ኮሊፍዎ።
“ክሳብ ሕጂ ናይ ዝሃብተሙ ጥራይ’የ ነጊረካ፡ ናይ’ቶም ዝሞቱ ገና ኣይነገርኩኻን ዘለኹ።” መልሲ ሓድሽ እሱር ነበረት።
ቤተሰብ ይኹን ፈላጢ፡ መቕርብ ይኹን ፈታዊ፡ ናተይ ትብሎ ናቱ ዝዀንካ፡ ኣብ ከባቢኡ ክትህሉ እትብህግ፡ ጸጋታቱ ዘቕንኣካን ዝምስጠካን፡ ካብ ዒላ ሂወቱ ቀዲሕካ ክትጠልል ሃረር ትብሎ ሰብ... ዕረፍቱ ክትሰምዕ ተኽእሎ’ሎ።
ሓንቲ ካብ’ቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኰይነ ዝሰማዕክዎም ዜናታት ዕረፍቲ፡ ናይ ስነ-ጥበበኛ በየነ ሃይለ ነበርት። ደራሲ ፍልይ ዝበላ መጻሕፍቲ (ዓቢዱዶ ትብልዎ፧ ድኳን ትበርህ፡ ትጽቢት ባህጉ) ከምኡ’ውን እታ መእተዊ ጽሑፈይ ተጠቒመላ ዘለኹ ግጥሚ ዝቆንጨልኩላ ናይ መድረኽ ድራማ “ወግዒ ልቢ” ዝኾነ በየነ ሃይለ ከምዛ ሎሚ ቅድሚ 7 ዓመት’ዩ ካብ ኣፍቀርቱን ኣፍቀርቲ ፍርያቱን ብሞት ዝተፈልየ።
ገለ ግዜ (ምናልባት’ውን ብዙሕ ግዜ) ክትብል ትደሊ’ሞ እቲ ክትብለሉ ዝደለኻ ጉዳይ ልዕሊ ዓቕምኻ ይኸውን። ብዙሕ ዝብሃል እንከለካ ሓንቲ ምባል’ኳ ትስእን! ኮሊልካ ዘዘው! ኣዕገሽግሽካ ዕንድ ትብል። ከምዚ ምስ ኰንኩ ኣብ ውሽጠይ ዘሎ ዝብሉለይ ደለኹ።
“‘እቲ ሓቀኛ ስነ-ጥበበኛ በየነ ሃይለ’ዩ” ኣቶ ኣለምሰገድ ተስፋይ ኣብ ዝተደጋገመ ኣጋጣሚታት ዝበላ" ተባሂላ ክትጥቀስ ሰሚዐ’ለኹ።
“በየነ ናይ ፈጠራን ሓሳብን ሰብ፡ ራኢ ዝነበሮ ስነ-ጥበበኛ’ዩ” ኣቶ ሰሎሞን ጸሃየ ሓምለ 2012 ኣብ ሬድዮ ድምጺ ኣመሪካ ዝበሎ’ዩ።
“በየነ ኣብ ጽሑፉ ኰነ ዕላሉ ዝበቆ ሓሳባት፡ ኣረኣእያታት፡ ኣጠማምታታት፡ ኣባሃህላታት የብሉን። ንኹሉ (ሃገር፡ ትካል፡ ውልቀ-ሰብ) በቲ ዘለዎ ዘይኰነ፡ በቲ ኣብ ጥርዚ ብቕዓት ዝህሉ ምስሊ ክቐርጾ’ዩ ላሕ ዝብል” ኢሰያስ በየነ።
ወናኒ ኩሎም ዓይነታት ስነ-ጥበብን ክኢላ ምሕደራን ዝነበረ በየነ ሃይለ ብርቂ ጽሓፋይ ምንባሩ ክምስክር ኢለ ይጽሕፍ የለኹን። ክኢላ ቀባኣይ ምንባሩ ንኽሕብር’ውን ኣይኮንኩን። ስርሓቱ ከውሒ ዝስርስር ዓቕሚ ስለ ዘለዎም ናይ መስካሪ ደገፍ ኣይደልዩን’ዮም። ኣብዛ ዕለተ ዕረፍቱ ግን ብዛዕብኡ ከውግዕ ደልየ። ኣድነቕቱን ኣንበብቱን ምሳይ ሓቢሮም ክዝክርዎ ክዕድም ደልየ። በቃ!!
ጽሑፋት በየነ ሃይለ ንኽትርድኦም ክብድ ዝብሉ ኰይኖም። “ብተራ ዓቕሚ ኣይፈረናን’ሞ ብተራ ዓቕሚ ኣይንንበብን” ዘስምዕ ደሃይ ኣለዎም።። ሓሳብካ ሰሪቖም ብሓድሽ ሓሳብን ፍልጠትን ይመልኡ። ትወስዶ ዓቐን ኣብ ዓቕሚ ምርዳእካን ዕምቆት ኩዕታኻን ይምርኰስ። ኤርትራ፡ መንእሰይ፡ ሓቂ፡ ጽባቕ፡ ፈጠራ፡ ባህጊ... ኣብ ኩሉ ስርሓቱ ድሙቓት’ዮም።
“መጻሕፍተይ ንስምዒታተይን ሓሳባተይን ትምኒታተይን ሕልምታተይን ብስነ-ጥበባዊ ሓቂ ንምቕላዕ ኢለ ዝፈጠርኩወን ባህግታተይ እየን። ምስ’ቶም ፈጠራዊ ጽሑፍ ዝደረሱ እየ ክቀራረብ ዝጽዕር። ነቲ ዝጥቀሙሉ ብልሓት ኣጸሓሕፋ ክቕይር እዩ ባህገይ። ሓዲሽ ኣነጋግራ ዛንታ ንኽምህዝ እዩ ንቕሎይ። ዘይተሰምዐ ንኸስምዕ እዩ ድላየይ። እቲ ዝርኣየኒ ዘሎ ራእይ ከርእይ እዩ ጻዕረይ። ጎቦታት ኤርትራ ምስ ካልኦት ጎቦታት ዓለም ከዋግዑ እንከለዉ እዝነይ ክጸልው እየ ዝቕረብ።” 2007 ካብ ዝጽሓፎ ዓንቀጽ እተወስደ’ዩ።
ብፈጠራታቱ “መድረኽ ፍጹም ተኽእሎታት” ከስርጽ ጥበቡ ጸሚቑ ዝሃበ ስነ-ጥበበኛ በየነ ሃይለ ሓደ ካብ ሓወልቲታትና ኣብ መድረኽ ፍጹም ተኽእሎታት’ዩ!